ክርስቶስ ኩሉን ኣብ ኩሉን እዩ
(ብሓው ሞላ)
ቶማስ፡ ሓደ ካብ ደቀ መዛምርቲ ናይ ኢየሱስ፡ ኢየሱስ ኩሉን ኣብ ኩሉን ምዃኑ ኣይተረደኦን ኔሩ። ኢየሱስ ከም ዝመውትን ከም ዝትንስእን ሰሚዑ ኔሩ፡ እንተ ኾነ ግን ነዚ ሓቂዚ ኣይተቐበሎን። ኢየሱስ ካብ ሞት ምስ ተንሰአ፡ ቶማስ፡ ምስቶም ካልኦት ደቂ መዛምርቲ ስለ ዘይነበረ፡ እቶም ካልኦት ብጾቱ፡ ንጎይታ ርኢናዮ፡ ምስ በልዎ፣ ንሱ ድማ፡ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእተኹ፡ ኣብ ጎድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእተኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ በሎም። (ዮሃ.20:24-25)
ድሕሪዚ ድማ፡ ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ኣብ ዉሽጢ ነበሩ፡ ቶማስዉን ምሳታቶም ነበረ። መዓጹ ተሸጉሩ ኸሎ፡ የሱስ መጸ፡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉውን፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። እሞ ንቶማስ፡ ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይውን ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጎድነይ ኣእትዋ። ኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ በሎ። ቶማስ መሊሱ፡ ጎይታይን ኣምላኸይን በሎ።
Read Moreስጋ ናይ ክርስቶስ
ብዙሓት የሱስ ልክዕ ከም ናይ ሰብ ስጋ እዩ ኔርዎ ኢሎም ይኣምኑ። መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ ይብል? እንተ ደኣ ስጋ የሱስ ከም ናይ ወዲ ሰብ ኮይኑ፡ ድሕነትና ከመይ ኢሉ ሓቂ ክኸውን ይኽእል? እዚ ኣበሃህላ´ዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድዩ ወይስ ኣይኮነን? ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ከም እንረኽቦ ኩሉ ሕቶታት ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ክምለስ ከምዘለዎ እዩ።
ምሳ.22:20፡21- ነቶም ዚልእኩኻ ቃላት ሓቂ ምእንቲ ኽትመልስ፡ ርግጽ ነገርን ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኸፍልጠካ ኢለስ፡ ድሮዶ ናይ ምኽርን ናይ ፍልጠትን ብሉጽ ነገር ኣይጸሐፍኩልካን እየ?
ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ናይ ሰብ ኣገላልጻ ወይ ሓሳብ ገዲፍና፡ ናብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስጋ የሱስ ዝብለና ነድህብ።
ዮሃ.8፡23-24 ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ። ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን። – ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም።
የሱስ እንታይ ማለቱ እዩ? ናይ ብሓቂ ንሕና ካብ ታሕቲ ዲና? ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዘሎና፡ ንሕና ደቂ ሰባት በቲ ደጋዊ ክፍሊ ኣካላትና ካብ ታሕቲ ካብ ሓመድ ኢና፡ ምኽንያቱ ናይ ኣዳም ዘርኢ ስለዝኾና እዩ። መንፈስና ግና ካብ ላዕሊ ካብ ኣምላኽ እዩ፣ ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣምላኽ ንኣዳም ኣብ ኣፍንጭኡ ህይወት ዝህብ ትንፋስ ኡፍ ስለዝበለሉ እዩ። (ዘፍ.2:7፣ መክ.12:7)
Read Moreስለምንታይ ብዙሓት ቤተክርስትያናት?
“ሎሚ ብዙሓት ቤተ ክርስትያናት ብዙሕ ዓይነት ትምህርትን ዶክትሪንን ዝምህራ ስለ ዘለዋ፡ ኣበየናይ ቤተክርስትያን ከም እንኸይድ እኳ ኣይንፈልጥን” ዝብሉ ሰባት ኣጋጢሞምኹምዶ ይፈልጡ? ስለምንታይ እየንከ ብዙሓት ቤተክርስትያናት ዘለዋ?
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብስም ክርስትና ብዙሓት ቤተክርስትያናት ከም ዝኽፈታ ብትንቢት ከም እተነግረ ትፈልጡዶ? መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዚ ትንቢትዚ እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እታ ሓቀኛ ትምህርቲ ትኽተል ቤተክርስትያንውን ኣየነይቲ ምዃና ይሕብረና እዩ።
ራእ.17:1-3 ካብቶም ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጺኡ፡ ፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ ኸርእየካስ፡ ንዓ ነጀው። 2 – ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኺሮም፡ እናበለ ተዛረበኒ። 3 – ብመንፈስ ድማ ናብ በረኻ ወሰደኒ። ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐዪሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ርኤኹ።
ኣድላይነት ናይዚ ጽሑፍ ንኹሉ ሰብ ኣብ ጥቕሲ ሓደ ተገሊጹ ንረኽቦ። እቲ መልኣኽ “ፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ ኸርእየካስ፡ ንዓ ነጀው” ይብል። ኣብዚ ቦታዚ ከም እነንብቦ፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኣ ሓደ ፍርዲ ከም ዘዳለወ ንርዳእ። ስዒቡ ዝመጽእ ሕቶ ድማ “ኣነኸ ኣብዚ ፍርዲዚ ድየ ክኣቱ?” ዝብል እዩ።
እቲ ቀዳማይን ቀንድ ሕቶ ኣብዚ ዝለዓል “መን እያ እዛ ሰበይቲ ተባሂላ ዘላ?” ዝብል እዩ። ነዚ ሕቶዚ መልሲ ክንደሊ እንተ ጀመርና ድማ፡ ኣብዚ ምዕራፍ 17 ብምሉኡ ምስ እንፍትሽ ምስ እዚ ነጥቢዚ ዝተኣሳሰር ብዙሕ ቃል ኣምላኽ ኣሎ።
እታ ሰበይቲ መን እያ?
Read Moreመንፈስ ኩሉ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ቅድም መርምሩ
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ተኣምራትን፡ ትእምርትን ምፍዋስን ብዙሕ ዝብሎ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ኢና ኣብዚ ኣርእስቲዚ ክንርኢ።
የሱስ ንደቀ መዛምርቱ፡ ንናይ ሓሶት ነብያት ክጥንቀቕሎም ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲብዎም እዩ። ከምቶም ካብ ኣምላኽ ብትኽክል ዝተላእኩ ነብያት ተመሲሎም ናይ ሓሶት ነብያትውን ናብ ህዝቢ ኣትዮም ከጋግዩ ከም ዝኽእሉ እዩ ብግልጺ ነጊርዎም። የሱስ ብዛዕባ ፍረታት´ውን ጠቒሱ እዩ። ጽቡቕ ፍረ ኣሎ፡ ሕማቕ ፍረ ድማ ኣሎ፡ ብምባልውን ምሂሩ ኢዩ። ከነስተውዕሎ ዘለና ነገር ድሕሪዚ ምባሉ የሱስ ዝተዛረቡ እዩ። ብስሙ ምንባይ፡ ብስም የሱስ ኣጋንንቲ ምውጻእ፡ ብስም የሱስ ተኣምራትን ትእምርትን ሰብ ስለ ዘርኣየ፡ ናይ ግድን እታ ናይ ሓቂ ወንጌል ሒዝዋ ኣሎ ማለት ኣይኮነንን። ነዚ ነጥቢ´ዚ እዩ የሱስ ኣርጊጹ ዝተዛረበሉ። ኣብ ቃሉ ምእዛዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኢዩ የሱስ ዝጸቕጠሉ ዘሎ። ንቓሉ ልዕሊ ተኣምራትን፡ ትእምርትን ምፍዋስን እዩ ሰሪዕዎ ንረኽቦ። (ማቴ.7:13-27)
Read Moreየማናይ ኢድ ኣምላኽ እንታይ ማለት እዩ?
ብዙሓት ግብ.2:33ን እብ.1:3ን ብምጥቃስ የሱስ ኣብ የማናይ ኢድ እግዚኣብሄር ኣቦ ብተግባር ከም ዝተቐመጠ ጌሮም ይወስድዎ። ይኹን ደኣ እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ መንፈስ ምዃኑ እዩ ዝዛረብ። (ዮሃ.4:24) ኣምላኽ መንፈስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዓጽምን ስጋንውን የብሉን። (ሉቃ.24:39፣ ዘፍ.3:8-10፣ ዘዳ.4:12ን15ን) ስለዚ ነቲ ኣብ ኩሉ ዘሎ መንፈስ ዝኾነ ኣምላኽ፡ ላዕልን ታሕትን፡ የማንን ጸጋምን፡ ቅድሚትን ድሕሪትን የብሉን። (መዝ.139:7-10፣ ኢሳ.66:1-2) ኣምላኽ ሰብነት የብሉን እንታይ ደኣ፡ ብስጋ ክርስቶስ እዩ ተገሊጹ። (1ይ ጢሞ.3:16፣ ቆሎ.2:9፣ ቆሎ.1:19-20፣ 2ይ ቆረ.5:19) መጽሓፍ ቅዱስ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ደምን ስጋን ምዃኑ ይነግረና። (ግብ.20:28) ክርስቶስ ናይቲ ዘይረአ ኣምላኽ መልክዕ እዩ። (ቆሎ.1:15) ከምኡውን ክርስቶስ፡ ናይ ኣምላኽ ክብሪ ነጽብራቑን፡ ቅርጺ ባህሪኡን እዩ። (እብ.1:1-3) በዚ ምኽንያት እዩ ድማ የሱስ ምስ ኒቀዲሞስ ክዘራረብ ከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋንውን ብመንፈሱ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎ ዝገለጸሉ። (ዮሃ.3፡13)
ሓደ ኣምላኽ ኣብ ሓደነቱ
ብሓውና ፖል ቶማስ
ኣምላኽ ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም ሓደ ዘይርአ ኮይኑ እዩ ተገሊጹ ንረኽቦ። ካብዚ ወጻኢ ዝኾነ እምነት ግን ነቲ ቃል ምርካስ እዩ ዝኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህላወ ናይ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኣጥቢቑ ይዛረብ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ምስቶም ናይ ስላሴ እምነት ኣለና ዝብሉ፡- ንሕና ቅኑዕ ኣለና ኢሎም፡ ዝዛረቡ ካብ ምክታዕ፡ ነቲ ሓቂ ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ባዕልኻ ገንጺልካ ምጽናዕዶ ኣይምሓሸን? መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብ ባዕሉ ንውልቁ ከጽንዕ ምስ ጀመረ፡ ቁጽሪ ዘይብሎም ጥቕስታት ብዛዕባ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ይዛረቡ። ኣብዚ ክፍሊ´ዚ ድማ ነዚ ኢና ክንርኢ። መጀመርታ፡ ኣምላኽ ምድርን ሰብን ክፈጥር ከሎ፡ ክንደይ ኢዮም ፈጢሮም ኣብ ዝብል ሕቶ ብምርኣይ ክጅምር እደሊ። ናይ ስላሴ ኣመንቲ፡ እቶም ሰለስተ ኣካላት ኢሎም ዝጽውዕዎም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምኡ ተጻሒፉ ዘይንረኽቦ፡ እዚኦም ብማዕረ እዮም ንሰብ ፈጢሮሞ ይብሉ።
ኣምላኽ ግን ክፈጥር ከሎ ከም ሓደ እዩ ተገሊጹ
Read Moreኣድላይነት ናይ ምድሓን
መእተዊ
መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ከምዝነግረና፡ ኩሉ ሰብ ሓጥያተኛ እዩ። (1ይ ነገ.8:46፣ ምሳ.20:9፣ ኢሳ.64:6) ኩሉ ፍጥረት ኣብ ትሕቲ ሓጥያት እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ በደል ኣለዎ። (ሮሜ 3:9) ከምኡውን ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡ ዝብል ተጽሒፉ ኣሎ(ሮሜ 3:10) ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። (ሮሜ 3:23)
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኩሉ ወዲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ዘለኣለማዊ ሞት እዩ ዝርከብ። ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ (ሮሜ 6:22-23) ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። (ያእ.1:15) ስለዚ እምበኣር ኩሉ ወዲ ሰብ፡ ካብዚ ሓጥያትን ዘለኣለማዊ ሞትን ምድሓን የድልዮ።
ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ ድሕነት ማለት፡ ካብ ዝሓለፈን፡ ሕጂ ዘሎን ዝመጽእን ሓይሊ ሓጥያት ነጻ ምዃን ወይ ሓርነት ምርካብ ኢልና ክንገልጾ ንኽእል። ድሕነት ድማ ብጸጋ የሱስ ክርስቶስ ብምእማን ይርከብ።
ወዲ ሰብ ንነፍሱ ከድሕን ክገብሮ ዝኽእል ነገር ፈጺሙ የለን። ሕጊ እናፈጸመ ወይ ሰናይ ነገር እናገበረ ክድሕን ዝኽእል ሓደ እኳ የሎን። ሓደ እኳ ከይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። (ኤፌ. 2:8-9) ድሕነት እምበኣር ነጻ ህያብ ኣምላኽ ንወዲ ሰብ እዩ፡ እምበር ብተግባር ወይ ብጻዕሪ ወይ እንዕቅቦ ነገር ኣይኮነን። እቲ ሞትን፡ ምቕባርን ትንሳኤን የሱስ ክርስቶስ´ዩ ነዚ ድሕነት ነጻ ህያብ ከብሎ ዝኻኣለ። ስለዚ እምበኣር እታ ሓንቲ በይና መገዲ ንድሕነት፡ ብየሱስ ክርስቶስን በቲ ንሱ ዝፈጸሞ እኹል መስዋእቲ ሞቱን ምእማን እዩ። (ሮሜ 3:24-28፣ 4:22-25)
ካብ የሱስ ክርስቶስ ወጻኢ ድማ ድሕነት ወይ ዘለኣለማዊ ህይወት የሎን። የሱስ ባዕሉ ከምዝበሎ፡ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። (ዮሃ.14:6) ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም። (ዮሃ.8:24)
እቲ ቅድስና ኣምላኽ ከም ዘረደኣና፡ ካብ ሓጢኣት ምፍላይ እዩ። ስለዚ እቲ ቅዱስ ሕጊ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓጢኣተኛ ሰብ ብይን ሞት ይውስነሉ። ኣምላኽ እምበኣር ንገዛእ ርእሱ ብስጋ ተገሊጹ ብሙማት ንሓጥያት ክኹንኖ መሪጹ። ብዘይ ምፍሳስ ደም ድማ ሕድገት ሓጥያት ክመጽእ ኣይክእልን እዩ። ወይውን ምስቲ ቅዱስ ኣምላኽ ሕብረት ክፍጠር ኣይምተኻእለን። (እብ.9:22) መስዋእቲ እንስሳታት ነቲ ሓጥያት ወዲ ሰብ ንኸውግዶ ኣይከኣሎን እዩ። (እብ.10:4) ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ወዲ ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠረ፡ ካብ እንስሳታት ኣዝዩ ይበልጽ ስለ ዝኾነ እዩ። (ዘፍ.1:27)
በዚ ምኽንያት እምበኣር፡ ኣምላኽ ንዓለም ከድሕን እኹል መስዋእቲ ስለ ዘድለዮ፡ ባዕሉ ብስጋ ተገልጸ፡ የሱስ ክርስቶስ ተባሂሉ ድማ ናብ ዓለም መጸ። (2ይ ቆረ.5:19፣ ቆሎ.2:9፣ 1ይ ጢሞ.2:5፣ 3:16) እቲ ብዘይ ሓጥያት ዝተመላለሰ የሱስ ጥራይ´ዩ እምበኣር ንዓለም ንኸድሕን ብቑዕ ኮይኑ እተረኽበ። በዚ ሞት የሱስ´ዩ እምበኣር ነቲ ሓጥያት ወዲ ሰብ ይቕረ ክበሃለሉ ዝኸኣለ። (ሮሜ 3:23-26) ኣምላኽ እምበኣር ነቲ ሓጥያት ወዲ ሰብ ስቕ ኢሉ ይቕረ ኣይበለሉን፣ የግዳስ ብስጋ ተገሊጹ የሱስ ተባሂሉ ነቲ ሓጥያት ዓለም ባዕሉ ብስጋኡ ተሰከሞ ደኣ።
Read More
